እግዚኣብሄር ምሳኻ ምስ ዝኸውን [Sunday 11th Feb 2024]

Posted on 2024-02-11 · 562 · 0 · 0

107 resources uploaded

...ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡... መሳ.6:12

ኣብ ዘመን መሳፍንቲ እስራኤላውያን ብሰንኪ ካብ እግዚኣብሄር ምርሓቖም ብሚድያን ይሳቐዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እግዚኣብሄር ንጊዴዎን ኣነ ምሳኻ እየ እሞ ኪድ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣናግፎም ከም ዝበሎ ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 6 ነንብብ። ኣብቲ እዋን እቲ ጊዴዎን ብዛዕባ ርእሱ ካብ ድኻ ነገድ ከም ዝኾነን ካብ ቤት ኣቦኡ ድማ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑን ብምግላጽ ነቲ እተጸውዖ ጻውዒት ክገብሮ ፍጹም ከም ዘይክእል ክማጎት ጀመረ። ንሞጎትኡ መራጎዲ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝነብር ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና?” እናበለ እቲ ወሪድዎም ዘሎ ጸገማት እዩ ዝዝርዝር ኔሩ። ስለዚ ድማ እቲ ኩነታት ክቕየር ዘይክእል ከም ዝኾነን ከም ዕድሎቶም ጌሩ እዩ ተቐቢልዎ።

ጊዴዎን እቲ ብዛዕባ ርእሱ እተዛረቦ ነገራት ሓቂ እዩ። እንተኾነ ግና ሓደ ዝሰሓቶ ነገር ኔርዎ። ምንጪ ምንጋፎም ወይ ድማ እቲ ‘ኣታ ሓያል ጅግና’ ክብሃል ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ኣይተረድኦን። ኩሉ ኣቓልቡኡ ኣብቲ በጺሕዎም ዘሎ ጸገምን ኣብቲ ናቱ ዓቕምን ጥራይ እዩ ኔሩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ካብኦም ኣዝዩ ዝርሓቐ ኮይኑ እዩ ዝርኣዮ ኔሩ። እግዚኣብሄር ዝርሓቐ ኮይኑ እንተተሰሚዑና መንና ከም እተንቀሳቐሰ ነስተብህል። ጀግንነትናን ዓቕምናን ብቕዓትናን ግና እግዚኣብሄር እዩ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ሓደ ሓደ እዋን ንስኻ ካባይ ዝረሓቕካ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ንርእሰይ ብምጥማት ድማ ዓቕሚ የብለይን እብል። እንተኾነ ግና ጐይታ ንስኻ ‘ኣታ ሓያል ጅግና ኣነ ምሳኻ’የ’ ስለ ዝበልካኒ ሓይለይን ብቕዓተይን ንስኻ ምዃንካ እእመን ኣለኹ። ብኣኻ ድማ ንኹሉ ክስዕሮ እየ እሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments