ጽድቅን ፍቕርን ኣምላኽ [Sunday 5th Feb 2023]

Posted on 2023-02-05 · 814 · 1 · 0

107 resources uploaded

ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ? ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ። መዝ.130:3-4

ኣብ ናይ ፊዚክስ ትምህርቲ ብዛዕባ ዓንኬላዊ ምንቅስቓስ (circular motion) ክትመሃር እንከሎኻ ክልተ ዓይነት ሓይሊ ከምዘሎ ይንገር። ካብቲ ማእከል ዓንኬል ንደገ ዝደፍእ - ሰንትሪፊጋል (centrifugal) ዝበሃል ሓይልን ናብቲ ማእከል ዓንኬል ዝስሕብ - ሰንትሪፒታል (centripetal)ዝበሃል ሓይልን እዮም። እዞም ክልተ ሓይልታት ድማ ንሓደ ነገር ኣብ ዙርያ እቲ ዝስሕቦምን ዝደፍኦምን ጸኒዖም ክዞሩ ይገብሮም። ጽድቅን ፍቕርን ኣምላኽ ድማ ከምኡ ኮይኖም ይስምዑኻ።

ኣምላኽ ጻድቕ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣበሳ እንተዝቆጻጸር፡ ሓጥኣን ስለዝኾንና፡ ጽድቁ ካብኡ ደፊኡ ኣብ ቅድሚኡ ክንቀውም ኣይመኽኣለናን። ግናኸ ሳላ ፍቕሩን ሳላ ምሕረቱን ናብኡ ክንቀርብ ዕድል ረኺብና። ከምቲ እቲ ዘማራይ ኣብ መዝ.32፡1 ዝበሎ "ኣበሳኡ እተሐድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።" እዚ ብጽእና እዚ ብክርስቶስ ስለ ዝረኸብናዮ ድማ፡ ብትብዓት ኣብ ቅድሚኡ ክንቀውም ክኢልና።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ኣበሳይ ኣነ እፈልጦ እየ። ንስኻ ግና ከምቲ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዝርሕቕ ከምኡ ንኹሉ ኣበሳይ ካባይ ኣርሓቕካዮ። ብፍቕርኻን ምሕረትካን ድማ ናባኻ ስሒብካኒ ኢኻ’ሞ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣሜን!

0 comments