ንምውት ዝጽውዕ [Sunday 20th Aug 2023]

Posted on 2023-08-20 · 454 · 0 · 0

107 resources uploaded

...ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። ዮሃ.11:43

የሱስ ኣልኣዛር ምሕማምሙ ሰሚዑ ኔይሩ እዩ። ክኸይድ ግና ኣይተሃወኸን። ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንደቀመዛሙርቱ ክነግሮም ከሎ ከምዚ ኢልዎም፡ “እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን።” (ዮሃ.11:4) እዚ ኢሉ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ንደቀ መዛምይርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ በሎም፡ ንኣልኣዛር ከተንስእ። ኣብ ቅድሚ የሱስ “እዚ ኣብቂዑ እዩ ድሕሪ ደጊም ተስፋ የብሉን“ ዝብሃል ነገር የልቦን። ንማርታን ንማርያምን ናይ ኣልኣዛር ነገር ኣብቂዑ እዩ ኔሩ። ነቲ መቓብር ክኸፍታሉ እውን ፍቓደኛታት ኣይነበራን። እንተኾነ ግና ኣሚንካ ክብሪ ኣምላኽ ምርኣይ ኣሎ።

ነዚ ታሪኽ ኣብ ቦታ ኣልኣዛር ኮይነ ክርእዮ ክፍትን ከለኹ ዘደንቕ ነገር እየ ዝዕዘብ። ኣልኣዛር ሞይቱ ኣርባዕተ መዓልቲ ጌር እዩ። ኣይሰምዕ ኣይርኢ ኣይከይድ። የሱስ ኣብቲ ኣፍደገ መቓብር ኮይኑ ክጽውዖ ከሎስ ከመይ ኢሉ ሰሚዕዎ ኢልኩም ሓዚብኩም ትፈልጡዶ? ርግጸኛ እየ እቶም ካልኣት ምውታን ንጻውዒት ኣልኣዛር ኣይሰምዕዎን። ከምኡ ድማ ኣልኣዛር ምስ ተጸውዔ “ኣይመጽእን እየ” ኢሉ ስቕ ክብል ብፍጹም ኣይምኸኣለን። ከመይሲ ጻውዒት የሱስ ድምጺ ጥራይ ኣይኮነን ኔሩ። ኣእዛን ምውት ዘኽፍትን ናብኡ ዝስሕብን ሓይሊ ኔርዎ እዩ። ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣት ምውታን ዝነበርና ናብኡ ክጽወዓና ከሎኸ ከምኡዶ ኣይነበረን? ብወገነይ ጻውዒቱ ካብቲ ዝነበርክዎ ጸልማት ከላቕቕ ዘኽእል ሓይሊ ኣሰንዩ እንተ ዘይመጽኣኒ ኔሩ፡ ናብቲ ብርሃኑ ክወጽእ ኣይምኸኣልኩን ነይረ።

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ብበደለይ ምውት ዝነበርኩ ብስመይ ጸዊዕካ ህይወት ስለ ዝዘራእካለይ ኤመስግነካ ኣለኹ። ነዛ ዝሃብካኒ ህይወት ድማ ንኽብርኻ ክነብር ደግፈኒ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments