ሓደ ኣካል ኢና [Sunday 12th Nov 2023]

Posted on 2023-11-12 · 692 · 0 · 0

107 resources uploaded

እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 1ቈረ 12.27

ቃል ኣምላኽ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ኩላትና ሓደ ኣካል ከም ዝኾንና ይነግረና። እዚ ማለት ድማ ኣነን ንስኻን ንስኺን ኩላትና ሓደ ኣካል ኢና። እቲ ርእሲ ድማ ክርስቶስ እዩ። እስኪ ሓንሳብ ብዛዕባ ኣካላትኩም ሕሰቡ። ከም እኹላት ሰባት ጽባሕ ንግሆ ተንሲኤ ናብ ስራሕ ክኸይድ እየ ትብሉ። ምስ ወግሔ ድማ ተንሲእኩም ትኸዱ። ነዚ ንምግባር ስሓቦ ጉተቶ የብሉን። ብኣእምሮኹም ሓሲብኩምዎ ስለ ዘለኹም ተሲእካ ምትግባር ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ኣካላትኩም ተወሃሂዱ እዩ ዝሰርሕ። ምናልባት ንግሆ ምስ ተንሳእኩም ገለ ክፍሊ ኣካላትኩም እንተዝጽልኦ እንታይ ምገበርኩም? ርግጸኛ እየ ካብቲ ሕማም ዝፍወሰሉ መገዲ መናደኹም። ከመይሲ ናይ ሓደ ኣካልና ምሕማም ንኹሉ ኣካላትና እዩ ዝጸልዎ።

ሕጂ ድማ እስኪ ንግሆ ምስ ተንሳእኩም ኣብ ኣካላትኩም ዘይምስምማዕ እንተዘጋጥም ኢልኩም ሕሰቡ። የማነይቲ ኢድ ሰዓት ኣብ ጸጋመይቲ ስለ እተኣስረት እንተትቐንእ፡ ዓይኒ ከማይ ዝበለ ኣገዳሲ ክፍሊ ኣካል የለን ኢላ እንተትዕመት፡ ገለ ክፋል ኣካላትኩም ተሓባቢሮም ነቲ ድኹም ቆሪጾም ክድርብይዎ እንተዝሻረኹ፡ ገለ ኣካላትኩም ድማ ካብ ርእሲ ብዝመጽእ ትእዛዝ ኣይንግዛእን ኢሎም እንተዝእድሙ? እቲ ኣካልኩም ብድሓንን ብህይወትንዶ ምጸንሔ? ኣይፋሉን። በዚ ነገር እዚ እቲ ዝሓንገደ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ኣካላትኩም ምተጎድኤ። ቃል ኣምላኽ እንበኣር ንኹላትና ሰዓብቱ ሓደ ኣካል ኢኹም እዩ ዝብለና። ስለዚ ከም ኣካል ክርስቶስከ ከመይ ኢልና ኢና ንመላለስ ዘሎና?

ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ብስምካ ዝኣመንና ኩላትና ሓደ ኣካል ምዃንና ቃልካ ይነግረና እዩ። እንተኾነ ግና ነቲ ብዘይምስትውዓል እንገብሮ ዘይምስምማዕን ዘይምሕባርን ምሕረት ግበረልና። ከም ሓደ ኣካል ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብ በቲ ካባኻ ካብቲ ርእሲ ማሕበር ዝኾንካ ጐይታ ዝወሃበና ትእዛዝ ክንምራሕ ጸጋን ምስትውዓልን ሃበና። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments