እስከ ተዛረበኒ

Posted on 2012-06-29 · 1698 · 3 · 4

32 resources uploaded

ሓደ መንእሰይ ሓደ ረቡዕ ምሸት ኣብ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ መጽናዕቲ መደብ ተኻፈለ። እቲ ማሕበር ጓሳ ድማ፣ ኣምላኽ ከም ዝዛረብ፣ ኣምላኽ ምስ ተዛረበና ድማ ክንሰምዖን ክንእዘዞን ከም ዝግባኣና፣ ዝገልጽ ኣሰምህሮ መሃሮም። እቲ መንእሰይ እምብዛ ኣእምርኡ ብሕቶ ተመሊኡ፣ ኣምላኽ ዶ ይዛረብ እዩ? በለ ንበይኑ። ድሕሪ እቲ መደብ ድማ ምስ ብጸቱ ሻሂ እንዳሰተዩ ብዕምቀት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረቡ ጀመሩ። እቶም የዕሩኹት ኩላቶም ኣምላኽ ብዘተፈላለየ መንግዲ ከም ዝዛረቦም ፍቓዱ ከም ዝገልጸሎም መስከሩ።

ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ምስ ኰነ መኪንኡ ሒዙ ንገዝኡ እናኸደ ከሎ፣ ከምዚ ኢሉ ጸለየ “ኣምላኽ ብርግጽ ንሰባት ትዛረቦም እንተ ዀንካ ንዓይ ድማ ተዛረበኒ ክሰምዓካ እየ ክእዘዘካ ፍቓደኛ እየ” በለ። ንገዝኡ እናምረሐ ዀሎ፣ ሓደ ፍልይ ዝብለ ሓሳብ መጾ፣ መኪንኡ ደው ኣቢሉ ጸባ ክገዝእ ከም ዘለዎ ተሰምዖ። ምስቲ ሓሳብ ብምልኣት ተሰማምዐ። ኣምላኽ ንስኻ ዲኻ ትዛረብኒ ዘሎኻ” ኢሉ ድማ ሓተተ። ደሓን ኣምላኽ እዚ ዝስመዓኒ ዘሎ ሓሳብ ካባኻ ድዩ ኣይኰነን ኣይፈለጥኩን፣ መን ይፈልጥ ንስኻ ትዛረበኒ ትህሉ፣ ብምባል ጸባ ንምግዛእ ወሰነ። ነዚ መንእሰይ ጸባ ምግዛእ ከቢድ ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ ኩሉግዜ ዝገብሮ ጉዳይ እዩ። ኣምላኽ ከምዚ ክብለኒ ኣይክእልን እዩ ዝብል ግመት ግና ነበሮ። ብዝዀነ ግና ጸባ ገዘኣ። ንገዝእ ከምርሕ ጀመረ። ናብቲ ንገዝኡ ዘብጽሕ መንገዲ ሓዲጉ ብኻልእ መንገዲ ክጥወይ ከም ዘለዎ ተሰምዖ። እዚ ዘይከውን እዩ። ስቕ ኢልካ ጽላለ እዩ። ግና ደሓን እንታይ እሞ ኣለዎ ዘይምለስ ኢሉ በቲ ንገዝኡ ዝወስድ ሓዲጉ ብኻልእ መንገዲ ተጠወየ።

በቲ መንገዲ እናኸደ ከሎ ኣብ ፍርቂ ምስ በጽሐ ደው በል ዝብል ስሚዒት ተሰመዖ። እቲ ደው ዝበለሉ ቦታ ናይ ሓውሲ ዕዳጋ ስፍራ እዩ። እቲ ቦታ ኣዚዩ ሕማቕ እኳ እንተ ዘይኰነ ግና ብዙሕ ምቹኡ ከባቢ እውን ኣይነበረን። ዳራጋ ኩሉ እቲ ዱካናት ተዓጽዩ። እቲ መንበሪ ኣባይቲ እውን መብራሁ ጠፊኡ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት እውን ደቂሶም ከም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። “ኣብታ ስግርካ ዘላ ማዕጾ ካሕኪሕካ ነቲ ዝገዛእካዮ ጸባ ሃቦም” ዝብል ድምጺ ኣብ ሕልንኡ መጾ። እቲ መንእሰይ ኣማዕድዩ ነታ ገዛ ረኣያ እሞ፣ መብራህቲ ጠፍእዩ፣ ነበረ። ኣብቲ ገዛ ዘለዉ ሰባት ወይ ደቂሶም ኣለዉ፣ ወይ ድማ የለዉን። ማዕጾ መኪንኡ ከፊቱ ክወጽእ ከሎ “ኣምላኽ እዚ ጽላለ እዩ። እዞም ሰባት ካሕኰሔ እንተ ኣተሴኤዮም ወይ ጹሉል እዩ ኢሎም ክንዕቑኒ እዮም ወይ ድማ ፖሊስ ጸዊዖም ከትሕዙኒ እዮም” ግና ብዘየገድስ ዝስምዖ ስሚዒት ክኸይድ ቆሪጹ ወሰነ።

ኣምላኽ በቃ ናብታ ገዛ ይከይድ ኣለኹ፣ እቲ ጸባ ድማ ክህቦም እየ። ምናልባት ንስኻ ትዛረበኒን ትእዝዘንን እንተ ኣሎኻ ሰናይ፣ ዋላ ከም ጹሉል ይቆጸረ ክእዘዘካ እየ በለ። ናብቲ ገዛ ድማ እናፈረሐ ሰጎመ፣ ነታ መጸውዒት ካምፓኔላ ድማ ጠወቛ። ኣብቲ ውሽጢ ገዛ ድማ ጫውጫው ሰምዐ። መን ኢኻ ዝብል ናይ ሓደ ሰብኣይ ጭድርታ ስመዐ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተገተረ። ካብ ዓራት ከም ዝተንስኣ ካብ ኣከዳድንኡ ይፍለጥ። “እዚ እንታይ እዩ” በሎ ነቲ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዘሎ ጸባ እናመልከተ “እዚ ንዓኹም ኢለ ዝገዛእክዎ እዩ” በሎም እናፈረሐ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ጸባ ተቐቢሉ ናብ ውሽጢ ገዛ እናጐየየ ኸደ። ነቲ ጸባ ናብታ ኣብ ክሽነ ኮፍ ኢላ፣ ቖልዓ ትእብድ ዘላ ሰበይቱ ወሰዶ “ኣነን ሰበይተይን ክንጽሊ ኢና ጸኒሕና። ብዙሕ ዕዳ ስለ ዝመጸና ንጸባ ዝኸውን መግዚኢ ስኢና ኢና ኔርና። ቆልዓይ ምስ በኸየ ግና ኣንታ ኣምላኽ በጃኻ ከመይ ጌረ ጸባ ከም ዝረክብ ደግፈኒ ክብል ጸኒሔ” በሎ እናበኸየ። ሰበይቱ ድማ እናበኸየት “ኣነ ድማ መልኣኹ ክሰደልና” እየ ክጽሊ ጸኒሔ። ስለዚ ሰብ ዲኻ መልኣኽ?” በለቶ ነቲ መንእሰይ። እቲ መንኣሰይ ናብ መኪንኡ እናነበዐ ተመልሰ። ኣምላኽ ድማ ጸሎቱ ከም ዝምልሰሉ ኣመነ።

ኣምላኽ ቀደም ኰነ ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንሰባት ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይወዓለን። ቃል ኣምላኽ እውን ነዚ እዩ። ኣብ እዮብ “ኣምላኽ ሓንሳብን ክልተ ሳብን ይዛረብ ሰብ ግና ኣይሰተውዕልን እዩ።” እምብኣር እቲ ጉዳይ ኣምላኽ ስለ ዘይዛረብ ዘይኰነስ እንታይ ድኣ ንሕና ደቂ ሰባት ንዕኡ ዝሰምዕ እዚኒ ስለ ዘይብልና እዩ።

4 comments

ኢት ኢዝ ሶ ናይስ ፖስት. ኣምላክ ይባርካ.ዝሃወይ

wooooooooooo amlak tezarebeni kisemaka halefa kulu u eyesusey kalka elu zemaray goyta ybarka des tebil miskirnet bihaki meharit.

· 2012-07-02
amlak yezizu ybarka thank you.

ኣዝያ መሳጢት ምስክርነትን ትምህርትን። ጎይታ እናባረኸ ይባርኽካ። እ/ሂር ንዓኻ ዝሰምዕ እዝንን ዝእዘዝ ልብን ሃበኒ።
Other Article