ካብ ሰሪቑ ዝርኢ ኣብ ደላዪ

Posted on 2014-11-06 · 1291 · 0 · 0

33 resources uploaded

ዝንበብ ምዕራፋትን ጥቕስታትን፦ ትንቢት ዮናስ 1፡1 ን 2፡3 ን

መሪሕ ጥቕሲ

በለ ድማ፣ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፣ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፣ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ። ዮናስ 2፡3

ካትሪን ጓልና ገና ኣዝያ ንእሽቶ ከላ፣ ገና ፍሒዅ ምባልን ምኻድን ከይጀመረት ከላ፣ በይና ክትኰውን እንተደልያ ወይ’ውን ንዝዀነ ነገር ከም ገዛእ ድሌታ ክትገብሮ እንተደልያ፣ ከመይ ገይርካ ካብ ሰባት ትሕባእ መገዲ ፈጠረት። ነዚ ንምግባር፣ ትም ኢላ ኣዒንታ ትዕምት ነይራ። ካብኣስ ያኢ ኵሉ ዘይትርእዮ፣ ዘይርእያ እዩ ዝመስላ ነይሩ። ኣብ ማኪና ኮፍ ኢላ ከላ፣ ዘይትፈልጦ ሰብ መጺኡ ሰላም እንተ ኢልዋ፣ ነዚ ብልሓት’ዚ ትጥቐም ነይራ። ንኽትበልዕ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢላ ከላ፣ ነቲ መግቢ እንተዘይፈትያቶ፣ ከምኡ ትገብር ነይራ። ንዒ ሕጂስ መስዩ እዩ፣ ሰዓት ትድቅስሉ ኣኺሉ እንተ ኢልካያ ውን ከምኡ። ኮታስ ኣብ ኵሉ ንኣኣ (ንዓኣ) ዘይመሽኣ ዝመስላ፣ ኣዒንታ ትዕምት ነይራ።

ዮናስ፡ ብስል ዝበአ ስልቲ ኣተሓሳስባ እኳ እንተነበሮ፣ ኣድማዕነቱ ክርአ ከሎ ግና፣ ካብዚ ናይ ጓልና ኣይሓይሽን እዩ። ኣምላኽ ገለ ነገር ክገብር ምስ ሓተቶ፣ ክንዲ እተባህሎ ደፋእ ኢሉ ዝገብር፣ከይገብሮ ክብል ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ዝነገሮ ኣንፈት ሃዲሙ። ደሓር ግና፡ ቅልጥፍ ኢሉ ኣምላኽ ከይረኽቦ ዝኽእል ስፍራ ከም ዘየልቦ ተገንዘበ። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛንታታት ክርከቡ ዘይደለዩ፣ ነገር ግና ኣምላኽ ዝረኸቦም ሰባት ዝዘገበ እዩ።

ምናልባሽ፡ ካብ ኣምላኽ ክትሕባእ ፈቲንካ ትዀውን። ምናልባሽ ‘ውን፡ ኣምላኽ ኣይረኣየንን’ዩ ኢልካ ትሓስብ ትዀውን። በጃኻ ሓደ ነገር ግና ልቢ ኢልካ ኣስተውዕል። ኣምላኽ ኣብ ከብዲ ዓሳ ንዝነበረ ጸሎት ሓደ ዓለወኛ ነብዪ ካብ ሰምዐን ረኣየን፣ ንስኻ ውን ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ፣ ድላይካ ግበር፣ ይሰምዓካን ይርእየካን እዩ። እዚ ግና ከፍርሃና የብሉን። እምበሺ ከማን፡ እፎይ ከብለና እዩ ዝግብኦ። ንሱ ኵሉ ግዜ ኣብኡ ኣሎ፣ ይሓሊ ውን እዩ።

Our Daily Bread
ብRandy Kligore
17 ጥቅምቲ, 2014
ትርጕም ብጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን

0 comments
Other Article