"ኰብላሊ" መታን ከይከውን (ዘፍ 4)

Posted on 2014-10-15 · 1395 · 0 · 0

37 resources uploaded

"ኖድ" ማለት "ምኹብላል"(wander)፤ ብዘይ ዕላማ (aimlessly) ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቃስ ማለት እዩ። እዚ ድማ ቃየል ንሓዉ ምስ ቀተሎ ዝተቀመጦ ቦታ እዩ (ዘፍ4)። "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?" ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፤ ደሃይ ሓው ክገብር ግብኡ እኳ እንተነበረ፤ ግዱ ግና ኣይገበረን። ስቅ ክብል መሪጹ። ርእዩ ከም ዘይረኣየ ኰይኑ ተዓብዩ። ሞት ሓዉ ኣየጉሃዮን። ብግብሩ ኣይተጣዕሰን። ኣብ ውሽጡ ዝስምዖ ዝነበረ ወቀሳን ነቀፋን ጸማም እዝኒ ብምሃብ፤ ምንም ከም ዘይኰነ መዓልታዊ ናብራኡ ክመርሕ ፈቲኑ። ግና ሓውኻ ሞይቱ ክነሱ፤ ከመይ ኢልካ ደቂስካ ይሕደር፧ ፈጣሪ'ውን ስቅ ኣይብልን። ከም ሰብ'ዶ ኰይኑ፧

እዚ ዓይነት ጥዕና ዘይብሉ ኣተሓሳስባ፤ ማለት ግዲ ሓውኻ ዘይምግባር፤ ኣብ ህይወት ቃየል ክልተ ዓበይቲ ክሳራ ኣስዒቡ፤

1፡ ካብ ገጽ ኣምላኽ ክርሕቅ ገይርዎ። (ዘፍ4:13) ኣዝዩ ዘሰምብድ ሳዕቤን እዩ። ካብ ገጽ ኣምላኽ ብጽእና፤ ናይ ሓጎስ ጽጋብ፤ ውሽጣዊ ዕጋበት፤ ዕረፍቲ ይወጽእ። ካብ ገጹ ምርሓቅ፤ ምውጻእ ማለት ድማ ባዶነት ዝመለኦ ናይ ምጉርምራም ህይወት ምንባር ማለት እዩ። እዚ ድማ ሓደ ሳዕቤን ግዲ ሓውኻ ዘይምግባር እዩ። መጎስ ኣምላኽ ክውሕደካ ድማ ይገብር።

2፡ “ኰብላሊ” ድማ ገይርዎ።(ዘፍ4;16) መቸም ምኹብላል ዝብል ቃል ንእዝንና ኰነ ንተመኩረና ሓድሽ ኣይኰነን። ፈራህ፤ ድሁል፤ መቅባሕባሒ፤ ዘይሰልጠሉ ማለት ድማ እዩ። ንሓው ሸለል ዝብል፤ ግዱ ዘይገብር፤ ስቅያትን መከራን ሓው ዘይስምዖ፤ ኣብ ኣምላኽ መጎስ የብሉን። መቅባሕባሕን ኰብላልን ድማ ይኸውን። ደሓር ከኣ ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረ፤ ከምይ ኢሉ ነቲ ገና ዘይረኣዮ ኣምላኽ የፍቅር እየ ክብል ይኽእል ኣይተባህለን ድዩ፧

ፍቅሪ ብዙሕ ኣበሳ ትኸድን። ፍሬኣ ድማ ዕረፍትን ህድኣትን እዩ። ብኣንጻሩ ህይወት ቃኤል እንተተመልኪትና፤ ካብ ቃላቱ ክንርድኦ ቀሊል እዩ። “ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ”።(ዘፍ4;12-14) ህይወቱ ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓደጋ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ድማ ሞጎስ ዘይብሉ ጌርዎ። ካብዚ ዚዓቢ ትምህርቲ መቸም ክንረክብ ንኽእል ኣይመስለንን።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንዘለና ብፍላይ ዝተዋህበና ትእዛዝ ንጹር እዩ። መጀመርያ ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይልኻን ልብኻን፤ ደሓር ከኣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር እዩ። ንሓዉ ዝጸልእን ሸለል ዝብልን ቀታል ነፍሲ እዩ። ካብዚ ድማ ምኹብላልን መጎስ ምስኣን ዝምንጩ። ከምቲ ስሱዕ ዝነበረ፤ ግዲ ሓዉ ድማ ዘይነብሮ ያእቆብ ይግብረካ። ያእቆብ ፍቱን ማሳሌ እዩ። ጥቅሚ ርእሱ እንተዘይኰይኑ፤ ካብ ንሓዉ ንልዓሊ ጥቅሚ ርእሱ ስለ ዘቀደመ (ፊሊ2;4)፤ ኣብ ህይወቱ ዘምጽኦ ክሳራ ብዙሕ እዩ። ካብ ዝፈትዎም ስድራኡ ተፈልዩ፤ ኣብ ኢድ ብስራሕን ዓመጽን ዘጽብበሉ ላባን ወዲቁ። ክሳብ ነገሩ ምስ ኣምላኽን ምስ ሓዉ ኤሳው ዘቅንዕ ድማ ኣብ ህይወቱ ዝሓለፎ ውጻእን ውረድን ብዙሕ ነይሩ። እዚ ድማ ንዓና ግዲ ሓውና ክሳብ ክንደይ ክንገብር ከም ዘለና ጽቡቅ ትምህርቲ እዩ።

“ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብልሳን ጥራይ ኣይንፋቀር” ይብለና ሃዋርያ የውሃንስ ። ኣዝዩ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባ እዩ። ካብ ቃላት ዝሓለፈ፤ ግብሪ ዝተሓወሶ ምትሕልላይ ክህልወና፤ ፍቃድ ኣምላኽ እዚ እዩ። ፍቅሪ ለዋህ እያ። 1ቆሮ13 ንሓውኻ ድንጋጸኻ ምዕጻው፤ ኣብ ጊዜ ሽግሩን ጸበባኡን እንተዘይበጺሕናዮ፤ ልግሲ ቃላትና እንታይ ክገብረሉ፤ ኣበይ ኬዱ የሽርፎ፧ ንዝጠመየ ኪድ ብላዕ ስተ ኢልና ጥራይ እንተኣፋነናዮ፤ እንታይ ጌርና ንበሃል። ካብ ገዘእ ርእስና (self) መጺና፤ ንብጻይና ዝጠቅምን ዝረብሕን ክንገብር ጻውዒት ክርስቶስ እዚ እዩ። ምህላውን ዘይምህላውን ኣይኰነን: ፍቃድ ልቢ ኣንተሃልዩ ኩሉ እኹል እዩ። ብፍላይ እኳ ሓለንጊ ድኽነትን ጥሜትን ዝገርፎ ንዘሎ፤ ብመከራን ፈተናን እዛ እኪቲ ዓለም ዝተሓለለን፤ ግብሪ ዝተሓወሶ ድንጋጸ ከነርእዮ፤ መዐቀኒ ሰብኣውነትናን መንፈሳውነትናን እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ዘተኰረ ናብራ እንታይ ረብሓን ዓስብን ኣለዎ፧

0 comments
Other Article